ቆልዓ-ብዘይ ጎነጽ ምዕባይ

እቲ ዋዕላ ብዛዕባ መሰል ናይ ቆልዓ ኩሎም ቆልዑት ናይ ዉሑስ ገዛ ናይ ምህላው መሰል ኣለዎም ይብል።

ኣካላዊ ጎንጺ

ዝኾነ ዘሳቒ ወይ ምንቅስቓስ ዝኽልክል ኣካላዊ ምትንካፍ።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ጎንጺ

ቃላት፡ ኣካልዊ ቋንቋ ወይ ድምጽኻ ተጠቒምካ ምሽጋር፡ ምፍርራሕ ወይ ንኻልእ ሰብ ምቁጽጻር።

ጎንጺ ብተዘዋዋሪ

ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ ምስ’ቲ ቆልዓ ቀረባ ዝምድና ዘለዎም ቆልዑት ወይ ዓበይቲ።

ወሲባዊ ዓመጽን ጎነጽን

ኩሉ ዓይነት ወሲባዊ ስጉምትታት ከም ብጻቕጢ፡ ጸረ ድልየትካ ገለ ነገር ንኽትገብር ተገዲድካ ወይ ተፈራሪሕካ።

ናይ ጎንጺ ሳዕቤናት

ውጽኢት ናይ ጎንጺ ምምካር ኣብ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ከምኡ’ውን ስምዒታዊ/ናይ ሓንጎል ምዝንባል ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እቲ ጉድኣት ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቆልዓ ምዕባይ

ቆልዑት ብምውዳስን ምትብባዕን እዮም ብዝበለጸ ዝመሃሩ፡ እዚ ድማ ኣብ’ቲ ስድራ ንምትሕብባር ከነቓቕሕ ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ሓገዝ ትረክብ፡

ገለ እትዛረቦ ሰብ ወይ ከመይ ገይርካ ሓገዝ ከምእትረክብ ሓበሬታ የድልየካ’ዶ?