ካብ እከይ ሸንኮለል/ሓሸውየ ምምላጥ ቆልዑት እቲ ዝዓበየ ፍስሓና እዮም፡ ዉሑሳትን ብልጹጋት እኹላት ሰባት ኮይኖም ንኽዓብዩ ከም ወለዲ ዝከኣለና ነገር ኢና ንገብር። ሓደ ሓደ ግዜ ንጹር ደረት ንምስራዕ፡ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጎንጺ እቲ ሓደ መሳርሒ ጥራይ ዘለና ኮይኑ ይስመዓና፡ ግን እዚ ንቖልዑት ማዕረ ኽንደይ ጎዳእን ኣፍራሕን ከምዝኾነ ምሉእ ብምሉእ ኣይንግዘቦን ኢና። ኣብ ኖርወይ ናይ ኣካላት መቕጻዕቲ ብጭብጢ ዘይሕጋዊ እዩ። ጎንጺ ምዝውታር ኣብ ናይ ቆልዓ ኣተዓባብያ ተመላላሲ ኣገባብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ካብ’ዚ እከይ ሸንኮለል/ሓሸውየ እተምለጠሉ ሓደ መንገዲ ኣሎ። Scroll nedover
ናይ ጎንጺ ሳዕቤናት ውጽኢት ናይ ጎንጺ ምምካር ኣብ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ከምኡ’ውን ስምዒታዊ/ናይ ሓንጎል ምዝንባል ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እቲ ጉድኣት ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽል ክኸውን ይኽእል እዩ።